ተጋዳላይ ሰሎሙን ገ/ማርያም ይባሃል።
• ካብቲ ናይ 17 ዓመታ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ዕድሚኡ ሙሉእ ኣብ ቃልሲ ኣሕሊፉዎ።
(ተቓላሳይ 3ተ ምዕራፍ)
• ኣብ 2015 ዓም ብምኽንያት ዕቤትን ጉዱኣት ኣካል ብክብሪ ተሰናቢቱ።
• ስድርኡ እዉን ካብታ ዕሸል ከተማ ባድመ ተፈናቒሎም ኣብ ከተማ ሽረ ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ይነብሩ።
• ባዓልቲ ገዝኡ ኣብ ዕፅዋን ክባን ብሰንኪ ጥሜት 5ተ ደቁ ገዲፋትሉ ካብዛ ዓለም ተሰናቢታ።
• ሕዚ ድማ ዓይነይ እንዳራኣኹ ደቀይ ይሞቱኒ ኣለዉ ብምባል እንዳዘረ ኣብ ከተማ ሽረ ይልምን ኣሎ።
፡
~ ከም ኣጋጣሚ ድዩስ ከም ዕድል ኮይኑ...ዕድመ ልክዑ ንትግራይ ዝተቓለሰላ ፣ ኣካሉን ዕድሚኡ ዝኸፈለላ መብዛሕትኡ ብኸምዚ ኢኻ ተደርብዩ ትረክቦ።
~ ገሊኡ ለማኒ ይኾዉን። ገሊኣ ድማ ሕሚሙ ዘሐክሞ ሲኢኑ፣ እታ ዝተረፈት ሒደት ግዚኡ ኣብ ማእሲ የሕልፋ።
ዉሕዳት ድማ ፡ ኣብ ዝኾነ ትካል ብዉሑድ ሕርጓቶ ዋርድያ ተቖፂሮም ትረኽቦ።
~ ከም መራሕቲ እሞ ይትረፍ ዳሕና ፤ ከም ማሕበረሰብ ግና ንምንታይ ታሓባቢሩ ንህዝቡን ዓዱን ዋጋ ንዝኸፈለ ሰብ ዘይሕግዝን ዘየኽብርን ?
ንምንታይ እዩ እቲ ሕብረተሰብ ነኒባዕሉ ዝካሓሓድ ዘሎ?
~ ሓደ ተጋዳልይ ፡ ቆሲሉ ፣ ተሰንኪሉን ዓቕሚ ሲኡን ንእሽተይ ሓገዝ ክደሊ እንተሎ ፤ ኩሉ ከም ዘይፈልጦ ረጊፅዎ ይሓልፍ። ሓደ ሓደ ግዜ እኮ " እምበር ከ ኣብ ሓደ ዓዲ ዲና ንነብር ዘለና " እዩ ዘብል።
📍ብዝኾነ ፡ ሓያላን ዘይትድፈርን ዓዲ ዝምሰረት ፤ ፈለማ ኣብቲ ህዝቢ ዘሎ ማሕበረሰባዊ ምትእስሳራት (Social fabrics) ክጥንክርን ክሕልን እንተሎ ጥራሕ እዩ።
እንተዘይኮይኑ ፤ ምብታትን ፋሕፋሕ ኢልካ ምትራፍን እዩ ዝኾዉን።
፡
(ካብ
Mickey raya ዝተረኸበ ሓበሬታ እዩ። ክንሕግዝ እንደሊ እንተሃሊና ንmickey ንወከሶ ...)
Share ብምግባር ናብ ኩሉ ነባፀሐዮ !
፧